ንስድራቤታት መምርሒ
![Title page on purple background with illustration of two children playing, text displayed is Guide for Families.](/sites/default/files/2025-01/kinder-kit-2025-image-1.jpg)
ብዛዕባ እቲ ናይ መዋእለ ህጻናት ኣቕሓኻ/ኪንደር ኪት
ጸወታ ናይ ውሉድካ ትምህርትን ዕብየትን ዝሕግዝ ዘሐጕስን መሳጥን መገዲ እዩ። ወለድን ኣለይትን ስድራ ቤታትን ኣብቲ ጕዕዞ እቲ ዓብዪ ግደ ኣለዎም።
ናይ መዋእለ ህጻናት ኣቕሑ/ኪንደር ኪትስ ውሉድካን ስድራ ቤትካን ኣብ ቤትኩም ንኽትሕጐሱ ተባሂሉ ብዝተዳለወ መጻሕፍትን ትምህርታዊ መጻወቲታትን ንጥፈታትን ዝመልአ እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ኪንደር ኪት ብፍላይ ንሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኦም ዝተሰርሐ ነገራት ዝሓዘ እዩ።
![Illustration of three children playing. One is reading a book, one is colouring in, one is holding animal finger puppets.](/sites/default/files/2025-01/kinder-kit-2025-image-2.jpg)
ናይ መጀመርታ ዓመታት ትምህርቲ ቪክቶርያውያንን መስርሕ (ፍሬምዎርክ) ዕቤትን
ናይ መጀመርታ ዓመታት ቁልዕነት መምህራንን ክኢላታትን ውሉድካ ንኽዓብን ንኽመሃርን ይድግፍዎ እዮም።
መደባት ኣባይቲ መዋእለ ህጻናት ነቲ ናይ ቪክቶርያውያን ናይ መጀመርታ ዓመታት ትምህርትን መስርሕ ዕቤትን (VEYLDF) ይጥቀም እዩ።
ኵሉ እቲ ኣብ ኪንደር ኪትካ ዘሎ ነገራት ምስቲ ኣብ ናይ ቪክቶርያውያን ናይ መጀመርታ ዓመታት ትምህርትን መስርሕ ዕቤትን (VEYLDF) ዝርከብ ዝስዕብ 1 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ውጽኢት ትምህርትን ዕቤትን ዝተሓሓዝ እዩ፦
- መንነት
- ትምህርቲ
- ማሕበረሰብ
- ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ
- ኵለንተናዊ ጥዕና
ቦርሳ
ናይ ኪንደር ኪት ቦርሳታት በብዕለቱ ምጥቃም ይከኣል እዩ።
ውሉድካ ኣየናይ ቦርሳኡ ምዃኑ ምእንቲ ኽፈልጥ ኣብ ድሕሪ እቲ ካርቶን ምስኣል ክለማመድ ይኽእል እዩ።
ነቲ ቦርሳ ዘርጊሕካ በቲ ናይ ቬልክሮ መልጎም ኣጽኒዕካ ሓዝ። ኣብ ኣእምሮኻ ዘሎ ጽወታታት ንምጽዋት ነቲ ብነገራት ዝተሰርሐ (felt) ባይታ ተጠቐመሉ።
![](/sites/default/files/2025-01/kinder-kit-2025-image-3.jpg)
- እቲ ቦርሳ ኣብ ዝባን ውሉድካ ኾፍ ምእንቲ ኽብል ነቲ ገመድ ቦርሳ ኣጽንዓዮ ወይ ፍትሓዮ።
- በቲ ኣብቲ ብነገራት ዝተሰርሐ (felt) ዝጥቃዕ ነገር ስፍራ ኣታኽልቲ ፍጠር።
- ኣብቲ ምልክት ስም ስእሊ ክሰኣል ኣተባብዕ።
- ንምጽሓፍ ዝሕግዙ (ቅድመ ምጽሓፍ) ክእለታት ኣማዕብል።
ምንባብ
ምንባብ ከም ስድራቤት ብሓንሳብ ግዜ ንምሕላፍ ዓቢ መገዲ እዩ። ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ክእለት ንምዕባይ ዝሕግዙ ኣዝዩ ኣገዳሲ መገድታት ሓደ እዩ።
ንውሉድካ ኣዘውቲርካ ዛንታ ታሪኽ ምክፋል ንናይ ምሕሳብ ክእለቶምን ንቓላት ኣጠቓቕማ ከመሓይሾ እዩ።
![](/sites/default/files/2025-01/kinder-kit-2025-image-4.jpg)
- ብሓባር መጽሓፍ ምምራጽ።
- ምቹው ቦታ መሪጽኩም ተረጋግኡ እሞ አንብቡ።
- ብዛዕባ እቲ ኣብታ ዛንታ ቐጺሉ ዝመጽእ እንታይ ምኻኑ ሓሳባቶም ንኽገልጹ ቦታ ሃቦም።
- ዝተፈላለየ ድምጽታት ተጠቐም።
ምስኣልን ምልክት ምግባርን
ምስኣልን ምልክት ምግባርን ቈልዑ ሓሳባቶም ብጥበብ ንኽገልጹ የኽእሎም። ቈልዑ ኣብ ወረቐት ክራዮናት (crayons) ብምፍታን ዝስዕብ ነገራት የማዕብሉ፦
- ጽቡቕ ናይ ምውስዋስ ክእለት የማዕብሉ፣ እዚ ኸኣ ብኸመይ ከም ዝጽሕፉ ንኽመሃሩ ኣገዳሲ እዩ
- ምትሕብባር ኣዒንቶምን ኢዶምን ይመሓይሽ
- ብዛዕባ ሕብርታትን ቅርጽን ስርዓትን መስመራትን ይመሃሩ
- ናይ ምምሃዝ ክእለት
- ምስ ካልኦት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ።
![](/sites/default/files/2025-01/kinder-kit-2025-image-5.jpg)
- ንውሉድካ ስእሊ ናይ ምስኣል መስርሕ ንኽፈቱ ኣተባብዓዮ። ስእሊ ምስኣል ርእሰ-ምትእምማን ንኸተሕድር ክሕግዝ ይኽእል እዩ።
- ክትስእል ከለኻ ተዘራረብ።
- ሕብርታትን ቅርጽታትን ኣስተብህለሉ እሞ ስም ሃቦ።
ናይ ምፍጣር ንጥፈታት
ናይ ምፍጣር ተዋስኦ ን5 ህዋሳት ውሉድካ ማለት ምርኣይን፣ ጨናን፣ ምስማዕን፣ ምትንካፍን ጣዕምን የነቓቕሖ እዩ። ብዛዕባ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ዓለም ክትድህስስን ክትፈልጥን ክትመሃርን እትኽእለሉ ዘሐጕስ መገዲ።
![](/sites/default/files/2025-01/kinder-kit-2025-image-6.jpg)
- ብሎካት ክድርደር ከሎ ተጻዋርነት ምልምማድ አተባብዕ። እንተ ወዲቖም፡ ውሉድካ 3 ዕምቈት ዘለዎ እስትንፋስ ወሲዱ እንደገና ኽፍትን ይኽእል እዩ።
- ነቲ መጻወቲ ቢሑቕ ናብ ኵዕሶ ኽትጥቕልሎ ቅርጺ ኽትገብር ክትጸፍዖ ክትጭፍልቐሉ ፈትን።
- ብሓባር ሙዚቃ ኣዳሉ። ኣእዳውካ ብምጭብጫብ ወይ ኣብ ቤትካ ዘሎካ ነገራት ብምጥዋቕ እተፈላለየ ስኒትን ድምጽን ፍጠር።
ኣብ ግዳም ዝግበር ጸወታ
ኣብ ግዳም ዝግበር ጸወታ ተኸታተል ኣብ ናይ ውሉድካ ዕቤትን ጥዕናን ዓብዪ ግደ ዘለዎ እዩ።
ቈልዑ ኸምዚ ዝስዕብ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም፦
- ብዛዕባ ተፈጥሮ ብምፍላጥ ምስ ስነ ፍልጠት ዘለዎም ርክብ ክምርምሩን ከማዕብሉን
- ስምዒት ናጽነት ክረኽቡ
- ምስ ካልኦት ቈልዑ ማሕበራዊ ርክብ ክገብሩ
- ክጻወቱ ከለዉ ብኸመይ ጽቡቕ ምርጫ ኸም ዝገብሩ ክምርምሩን ክመሃሩን
- ናይ ምሉእ ኣካላት ምንቅስቓስ፣ ናይ ዓይኒን ኢድን ምትሕብባር ከምኡውን ጽቡቕ ናይ ምውስዋስን ናይ ምምሃዝ ክእለትን ከማዕብሉ ይኽእሉ እዮም።
![](/sites/default/files/2025-01/kinder-kit-2025-image-7.jpg)
- ብዛዕባ ኣቝጽልቲ ተዘራረቡ እሞ ዝተፈላለየ ሕብርታትን ቅርጽታትን ስም ሃብዎ።
- ብሓባር ኣዝርእቲ ትኽሉ።
- ምስ ተፈጥሮ ግዜ ኣሕልፉ። ንኣከባቢና ብዛዕባ ምዕቋብ ተዘራረቡ።
- ናይ ሑጻ ህንጻ ስራሕ።
ተዋስኦኣዊ ጸወታ
እቲ ናይ ተዋስኦ ጸወታ ቈልዑ ኣብ ኣእምሮኦም ዝሰኣልዎ ዛንታታት ክፍጽሙ ኸምኡውን ግደ ኻልኦት ገጸ-ባህርያት ክዋስኡ የተባብዖም እዩ።
ቈልዑ ኣገዳሲ ቛንቋን ማሕበራዊ ኽእለትን ንምልምማድ ተዋስኦኣዊ ጸወታ ይጥቀሙ እዮም፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ እዚ ዝስዕብ እዩ፦
- ሓዳስ ዓለም ምድህሳስን ምፍጣርን
- በብተራ ምክፋልን ምጽዋትን
- ንሓድሕዶም ዝዘራረቡሉን ዝደራደርሉን መገድታት።
![](/sites/default/files/2025-01/kinder-kit-2025-image-8.jpg)
- ንእንስሳታት ብእንግሊዝኛን ብኻልእ ቋንቋታትን ኣስማቶም ስመይ።
- ገጸ-ባህርያት ፍጠር።
- ዛንታታት ኣዳሉ።
- ስምዒታትን ዝተፈላለየ ስምዒትን ንምምርማርን ንምግላጽን ባምቡላ ተጠቐም።
ጸወታታት
ምስ ስድራ ቤትካን ፈተውትኻን ጸወታታት ምጽዋት ንማሕበራዊ ኽእለት ውሉድካ እትሃንጸሉ ብሉጽ መገዲ እዩ።
ጸወታታት ንቘልዑ ናይ ምቝጻር፣ ናይ ቋንቋ ከምኡውን ጸገም ናይ ምፍታሕ ክእለት ንኽመሃሩ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ።
![](/sites/default/files/2025-01/kinder-kit-2025-image-9.jpg)
- ሕግታት ጸወታ ተምሃር በብተራ ድማ ተለማመድ።
- ጸገም ናይ ምፍታሕን ናይ ምዝካርን ክእለት ተለማመድ።
- ብዛዕባ ቝጽርታት ተመያየጡ ብገለ ነገራት ምጽብጻብ ድማ ተለማመዱ።
ማሕበረሰብ ምህናጽ
ቈልዑ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶምን ብዛዕባ እታ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ዓለምን ብኸመይ ከም ዝፈልጡን ከም ዝመሃሩን ዝገልጽ ጸወታ እዩ። ንቘልዑ ምጽዋትን ምምሃርን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ እዩ ዝኸይድ። እቲ ኣብ ኪንደር ኪትካ ዘሎ ነገራት ብዛዕባ ፈላላይን ዝተፈላለየ ዓይነታት ባህልን ንኽትዘራረብ ይድግፈካ እዩ።
![](/sites/default/files/2025-01/kinder-kit-2025-image-10.jpg)
- ንውሉድካ ብዛዕባ ኻልኦት ሃገራትን ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ጥራሕ ዝርከቡ እንስሳታትን ኣዘራርቦ።
- ዝተፈላለየ ቛንቋታት ካበይ ከም ዝመጸ ንምፍላጥ ካርታ ዓለም ርአ።
መንነት ምኽባር
ቈልዑ ብዛዕባ ዅሉ ባህልታት ክመሃሩ ምትብባዕ ምርዳእን ተቐባልነትን ኩርዓትን ከም ዝህነጽ እዩ ዝገብር። ባህልታት ኣቦርጅናውያንን ሰብ ቶረስ ስትሬት ኣይላንድን ከምኡውን ኣብዚ ኣብ ቪክቶርያ ባህሊ ኮሪ ዘሎ ባህልታት ሎሚ ይነብርን ይስስንን ኣሎ። ከም ደረስትን ስነ-ጥበባውያንን እቲ ኣቕሓ (ኪትስ) መጠን ከነኽብሮም ብምኽኣልና ንሕበን ኢና። ውሉድካ ብዛዕባ ልምድታትን ባህልታትን ኮሪ ዝያዳ ንኽፈልጥ ዝሕግዞ ገለ ንጥፈታት እንሆ፦
![](/sites/default/files/2025-01/kinder-kit-2025-image-11.jpg)
- ንነገራት ወይ ንእንስሳታት ዝወሃብ ምልክታት ኮሪ ተምሃር።
- ብዛዕባ ባህልታትን መራሕትን ጀጋኑን ኮሪ ተምሃርን ተዘራረብን።
- ኣገዳስነት ኣፍልጦ ሃገር ተረዳእ።
ወብ ሳይት ማሕበር ትምህርቲ ኣቦርጅን ቪክቶርያ ንልምድታትን ባህልታትን ኮሪ ዝምርምር ዘሐጕስን መሳጥን ንጥፈታት ኣለዎ።
መጽሓፍቲ ብኣውስላን ቋንቋ
ኦስላን ኣብ ናይ ቪክቶርያ ናይ መጀመርታ ዓመታት ቍልዕነት ፕሮግራም ዝዝውተር ናይ ምልክት ቋንቋ ኢዩ። እዚ ፕሮግራም እዚ ኣብ ገሊኡ ናይ ኣርባዕተ ዓመት መዋእለ ህጻናት ይርከብ ኢዩ።
ቈልዑ ብንእስነቶም ካልእ ቋንቋ ኽመሃሩ ምግባር ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ እዚ ዚስዕብ እዩ፦
- ኣቐዲምካ ናይ ምንባብን ኣቐዲምካ ናይ ምጽሓፍን ክእለት እናወሰኸ ምኻድ
- ኣእምሮኣዊ ምግንዛብ ከም ኵነታ ተለዋዋጣይ ምዃን
- ርእሰ ምትእምማንን ድሕንነትን ምጥንካር
- ባህላዊ መንነትና እናደልደለ ምኻድ ይኸውን።
መብዛሕቲኡ እቲ ኣብ ናይ 2025 ኣቕሓ መዋእለ ሕጻናት ዘሎ መጻሕፍቲ ናይ ቛንቋ ኣውስላን ትርጉም እውን ይርከብ እዩ።
![](/sites/default/files/2025-01/kinder-kit-2025-image-12.jpg)
- ስምዒታትካ ብኦስላን ግለጽ።
- ብኦስላን ሰላም በል።
ድሕንነትን ተወሳኺ ደገፍን
ኵሎም ቈልዑት ብዝተፈላለየ መገዲ እዮም ዚመሃሩ። እታ ኪንደር ኪት ናይ ውሉድካ ዅሉ ኽእለቶም ንምፍትን ብዝተፈላለየ መገድታት ክትጥቀመሉ እትኽእለሉ መጻሕፍትን መጻወቲ ባንቡላታትን የቕርብ እዩ።
ንስኻን ውሉድካን ተወሳኺ ደገፍ ዘድልየኩም እንተ ዀይኑ በዚ ዝስዕብ መገድታት ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፦
![](/sites/default/files/2025-01/kinder-kit-2025-image-13.jpg)
- ናይ መጀመርታ ዓመታት ናይ ቍልዕነት መምህራን ክሕግዝ ዘኽእል ክእለትን ፍልጠትን ኣለዎም። ንናይ መጀመርታ ዓመታት ናይ ቍልዕነት መምህራን ውሉድካ ብዛዕባ ሕቶታትካ ኣዘራርቦም።
- ብዛዕባ ሕቶታትካ ኽትመያየጥ ናብ ሓኪምካ ወይ ናብ ኣዶንን ውሉድካን ሓለዋ ጥዕና ነርሲ ንምርኣይ ቈጸራ ምድላው።
- ናጻን ምስጢራውን ምኽርን ደገፍን ንምርካብ ብናይ ወላዲ መስመር/Parentline ብስልኪ 13 22 89 ደውል።
ኣብ ናይ መጀመርታ ዓመታት ናይ ቍልዕነት ትምህርቲ ዘሎ ሞያ
ኣብቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ቪክቶርያ መዋእለ ህጻናት ሞያ ስራሕ ኽትጅምር ሕሰብ። ናይ መጀመርታ ዓመታት ናይ ቍልዕነት መምህር ወይ መምህር ንኽትከውን ምእንቲ ኽድግፈካ እዚ ዝስዕብ ተዳልዩ ኣሎ፦
- ተዓጻጻፍነት ዘለዎ ኣማራጺታት መጽናዕቲ
- ልግሲ ዘለዎ ናይ ገንዘብ ደገፍ (ስኮላርሺፕ)
- ገንዘባዊ መተባብዒ።
![Illustration of two children sitting on the floor playing with blocks while two adults talk, speech bubble from one adult with text](/sites/default/files/2025-01/kinder-kit-2025-image-14.jpg)
ናትካ እቲ ናይ መዋእለ ህጻናት ኣቕሓኻ/ኪንደር ኪት
ውሉድካ ነቲ ኪንደር ኪት ኣቕሑ ምስ ወድአ ካልእ ሰብ ምእንቲ ብፍታወት ክጥቀመሉን ንወፈያ ግብረ ሰናይ ክትውፍዮ ሕሰብ።
ሓደ ኣቕሓ ኽውፈ ዝከኣል እንተ ዀይኑ ኽትውስን ከለኻ 'ነዚ ንፈታውየይ ምሃብክዎዶ? ኢልካ ሕተት 'መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ 'እወ' እንተ ዀይኑ ንወፈያ ምሃብ ግቡእ እዩ።
ቐጻሊነት ዘለዎ ነገር ንኽህሉን ምስ ለውጢ ዅነታት ኣየር ንምቅላስን ምሹእ ነገራት ምውፋይ ኣገዳሲ እዩ።
![Illustration of two children adding kinder kit items to a donations box.](/sites/default/files/2025-01/kinder-kit-2025-image-15.jpg)
Updated